Latest / SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ፖድካስት (23 ጥሪ 2025)
ንሎሚ ሓሙስ 23 ጥሪ 2025 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ዶናልድ ትራምፕ መበል 47 ፕረሲደንት ኮይኑ ንኻልኣይ እዋን ቃለ ማሕላ ፈጺሙ ኣሎ። ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ዝዓለሙ ብዙሓት ፖሊሲታት ድሮ በቲ ዘለዎ ስልጣን ተጠቒሙ ፈሪሙሎም ኣሎ። ኣብ ኣመሪካን ካብ ኣመሪካን ወጻኢን ንመነባብሮን ጸጥታን ህዝቢ ዝጸልዉ ሕግታት ክትግበሩ ክጅምሩ እዮም። ነቶም ብፍላይ ኣብ ዞባናን ዓለምን ዝምልከቱ ጉዳያት ኣልዒልና ምስ ነበርቲን ዜጋታትን ኣመሪካ ዝኾኑ ኣቶ ሳሙኤል ቢዘንንን ክብረኣብ ይመስገንን ዝገበርናዮ ዝርርብ ኣሎ። ሎሚ ቀዳማይ ክፋሉ ክቐርብ እዩ። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ጠቕላላ ዕዳ ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ብኽልተ ትሪልዮን ብር ከምዝወሰኸ ተገሊጹ። ሒጃብ ሃይማኖታዊ መሰልና'ምበር ሓለፋ ኣይኮነን" ዝብል መሪሕ ጭርሖ ዝሓዙ ሰዓብቲ ሃይማኖት እስልምና ኣብ ከተማ መቐለ ሰለማዊ ሰልፊ ኣካይዶም ። ኣብ ገማግም ባሕሪ የመን ብዘጋጠመ ሓደጋ ምጥሓል ጃልባ ብውሕዱ 20…
The skinny
The skinny isn't ready yet — notes appear once the transcript is processed.