Latest / SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

ቐጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (01 ግንቦት 2025)
ንሎሚ ሓሙስ 1 ግንቦት 2025 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ኣብ ጎስጓስ ምርጫ ኣውስትራሊያ ጉዳይ ስድተኛታት ሓደ ካብ ዛዕባታት ኮይኑ ብሰልፍታት ፖለቲካ ቀሪቡ ኣሎ። ብዛዕባ'ዚ ዝምልከት ዶ/ር ኣማኑኤል ኤልያስን ፕሮፌስር ፈትሒ ማንሱሪ "4 key myths that manufacture an immigration ‘crisis’" ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዝጸሓፍዎ ዓንቀጽ እቲ ብዛዕባ ስደተኛታት ዝወሃብ ብሂላት ብ ኣኣርባዕተ ጉዳይ ከፊሎም ኣቕሪቦም እቲ ዝበሃል ድማ ጌጋ ምዃኑ ብመጽናዕቲ ኣደጊፎም ኣቕሪቦሞ ኣለዉ። ብዛዕባ'ዚ ጽሑፍ ምስ ምርጫ ፈደራል መንግስቲ 2025 ኣተሓሒዝና ካብ ጽሓፍቲ ናይቲ ዓንቀጽ ዝኾነ ዶ/ር ኣማኑኤል ኤልያስ ዝርርብ ኣካይድና ኣለና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ሚኒስተር የማነ ገብረመስቀል ኣብ ኢትዮጵያ ንዝርከቡ ገለ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኣጠንቂቑ። ኢትዮጵያ፡ ኣስታት 250 ኤርትራውያን ስደተኛታት ሰጒጓ ፕረዚደንት ትግራይ ነበር ኣቶ ጌታቸው ረዳ ብዛዕባ እቲ ኣጣይሹዎ…
The skinny
The skinny isn't ready yet — notes appear once the transcript is processed.