Latest / SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ SBS ትግርኛ (06 ሚያዝያ 2026)
ን ሎሚ ሰኑይ 06 ሚያዝያ 2026 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ከፋልጠኩም። ኣቶ ሰመረ ሰሎሞን፡ ብዝለዓለ ጽፍሒ ናይ ሓላፍነት ዝሰርሐን ናይ ልዕሊ ሰላሳ ዓመታት ተመክሮ ኣብ ዓውዲ ሃገራውን ኣህጉራውን ልምዓት ዘለዎን ክኢላ ኤርትራዊ እዩ። ኣብ ከም ሕቡራት ሃገራትን (United Nations) ኤጀንሲ ኣህጉራዊ ልምዓት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን (USAID)፡ ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ኣህጉራውያን ትካላትን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ውሽጢ መንግስቲ ኤርትራ ዘገልገለን እዩ። ብዛዕባ ኣብዚ ቅሩብ እዋን ዝጸሓፋ መጽሓፍ “ኤርትራ፡ ቀለስቲ ሓሳባት ንሕውየት ሃገር” ምርኩስ ጌርና ዝገበርናዮ ሰፊሕ ቃለ መሕትት ቀዳማይ ክፋል ከነቕርብ ኢና። መንግስቲ መወዓውዒታት ቁማር ዝኽልክል ሕጊ ኣውጺኡ፣ ኣኻሊ ድዩ ግን፧።ነዚ ዝምልከት ሓደ ትሕዝቶ ኣለና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ "ልዕሊ 700 ኤርትራውያንኣብ ከተማ ሸራሮ ተረኺቦም" መንግስታዊ ቴሌቪዥን ዘመነ ስልጣኑ ዝዛዘም ዘሎ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ናብ ኣዲስ ኣበባ…
The skinny
The skinny isn't ready yet — notes appear once the transcript is processed.