skinny.

Latest / SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

ስሎቨንያዊ ታደይ ፖጋቻር ቅድድም ብሽግለታ ዙር ፈረንሳ ንራብዓይ ግዚኡ ብምዕዋት ናይ ንግስነት ዙፋኑ ኣብ ከተማ ፓሪስ ደፊኡ።

ታደይ ዙር ፈረንሳ ኣብ 2020፡ 21፡ 24ን 25ን ብምዕዋት እቲ ኣዝዩ ዓብላሊ ተቐዳዳማይ ናይ'ዚ ወለዶ ምዃኑ ኣመስኪሩ። ሰንበት ዝተኻየደ መበል 21ን ናይ መወዳእታን መድረኽ ብምኽንያት ብርቱዕን ዘየቋርጽን ዝናብ ንተቐዳደምቲ ሓደገኛ ኩነታት ከይፍጠር ተባሂሉ ናይ ሓፈሻዊ ምድባት ነጥብታቱ ንኹሎም ማዕረ ክኸውን ተገይሩ። በዚ ምኽንያት ታደይ ገና ናይ'ቲ መዓልቲ ቅድድም ከይተጀመረ ሻምፒዮን ምዃኑ ኣፍሊጡ ኔሩ። እንተኾነ ግን ምስ'ቶም ካብ'ታ ዓባይ ጉጅለ ሞሊቖም ተፈልዮም ዝኸዱ ተቐዳደምቲ ብምዃን ኣብ'ተን ተሰሪዐን ዝነበራ ዓቐባት ብዙሕ ግዜ ራሕሪሕዎም ክኸይድ ፈተነታት ብምክያድ ነቲ መዛዘሚ መዓልቲ መቐረት ወሲኽሉ። እቲ ኣብ'ቲ መዓልቲ ዝተዓወተ ግን ንታደይ ኣብ'ታ ናይ መወዳእታ ዓቐብ ብሓያል ምፍንጣስ ሓዲግዎ ዝኸደ በልጅማዊ ቩት ፋናርት ካብ ጋንታ ቲም ቪስማ'ዩ። ታደይ ኣብ'ቲ መዓልቲ ራብዓይ ክኣቱ'ንከሎ ኣብ'ዚ ዓመት ድማ ሻምፒዮንን ንጉስ ዓቐብን ብምዃን ዓብላልነቱ ኣመስኪሩ። ታደይ ነቲ ኣብ ሓፈሻዊ ምድባት ሕጂ'ውን ካልኣይ ኮይኑ…

The skinny

The skinny isn't ready yet — notes appear once the transcript is processed.