Latest / SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (27 ለካቲት 2025)
ንሎሚ ሓሙስ 27 ለካቲት 2025 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ዶ/ር ኣብራሃም በላይ ወተሃደራት ኤርትራ ካብ ትግራይ ክወጹ ጸዊዑ ብዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ዝምራሕ ጉጅለ ህወሓት ምስ ኤርትራ "ሕቡእ ርክብ" ከምዘየካየደ ገሊጹ። ሰለስተ ውድባት ትግራይ ኣብ ትግራይ"ዝተረሓሓቐ ርድኢትን ኣፈላላይ ቅዋምን ኣሎ " ኢሎም። ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ ሎሚ ሓሙስ መቓዲሾ ክበጽሕ’ዩ ዝግብእኹም መንግስታዊ ክፍሊታት ኣየኖት ምዃኖም ዝድህስስ ትሕዝቶ ኣብ ሰሙናዊ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ ክቐርብ እዩ። ቃለ መሕትት’ውን ኣለና። ኣርእስታት ዜና፥ ነቲ ኣብ ምብራቓዊ ገማግም ኣውስትራልያ ዘጋጠመ ባርዕ ሓዊ ሓምሻይ ዓመት ንምዝካር ፡ ትማሊ ምሸት [ረቡዕ] ካብቲ መዓት ዝደሓኑ ኣብ ሲድኒ ተኣኪቦም ኣምስዮም። ሞስኮን ዋሽንግተንን ዲፕሎማሲያዊ ተልእኾታት ናብ ንቡር ንምምላስ ዝዓለመ ዝርርብ ንምክያድ ሰበ-ስልጣን ኣመሪካን ሩስያን ሎሚ ኣብ ኢስታንቡል ይራኸቡ ኣለው…
The skinny
The skinny isn't ready yet — notes appear once the transcript is processed.