skinny.

Latest / SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (02 ጥቅምቲ 2025)

ንሎሚ ሓሙስ 02 ጥቅምቲ 2025 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ወርሒ መስከረም ፖለቲከኛታትን ጋዜጠኛታትን ኣብ ኤርትራ ዝተኣስርሉ ብዝተፈላለዩ ኣገባባት ዝዝከረሉ ወርሒ እዩ። ማሕበረሰብ ኲንስላንድ ብዛዕባ ኣብ ኤርትራ ብዘይፍርዲ ንብዙሕ ዝተኣስሩ ዜጋታት ንምዝካር መዓልቲ ዝኽሪ ኣካይዶም ነይሮም። ካብ ኣወሃሃድቲ ናይቲ ፍጻመ ን ኣቶ ብርሃነ መሓርን ኣቶ ዘርኡ ቦኽረጽዮንን ብዛዕባ'ቲ ዝኽርን ሓፈሻዊ ማእሰርቲ ኣብ ኤርትራን ሓሳቦም ኣካፊሎም ኣለዉ። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ኣብ ኢትዮጵያ፡ መደያይቦ ህንጻ ቤተክርስትያን ብምፍራሱ ልዕሊ 30 ሰባት ሞይቶም። ኣብ 'ሓራ መሬት' ዘለው ዕጡቓት ናብ ትግራይ ንክመፁ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ፃውዒት ኣቕሪቡ። ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ምስ ዋና ጸሓፊ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ብጉዳይ ባሕሪ ተመያይጡ። ምኒስትሪ ምክልኻል ኢትዮጵያ ጉዳይ ዓሰብ ዘይቅኑዕ ምባል "ባንዳነት እዩ" ክብል ገሊጹ። ኣብ እዋን ጽድያ ረስንን ኣዝማን ፥ወቕቲታት ኣብ…

The skinny

The skinny isn't ready yet — notes appear once the transcript is processed.