Latest / SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

ቐጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (5 ሰነ 2025)
ንሎሚ ሓሙስ 05 ግንቦት 2025 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። መበል 50 ዓመት ምጅማር ኤስ ቢ ኤስ ምኽንያት ብምግባር፡ ቋንቋ ትግርኛ ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ፡ ንማሕበረሰቦም ፖሊሲታት መንግስቲ ኣብ ምፍላጥ፡ ተመኩሮኦም ኣብ ምክፋልን ንሓደሽቲ መጻእቲ ኣብ ኣውስትራሊያ እግሮም ክተኽሉ በብእዋኑ ኣብ ኣድዮ ኤስ ቢ ኤስ እናቐረቡ ሓሳቦም ዘቕርቡን ነዚ ራድዮ ኣብ ምድንፋዕ ዓቢ ግደ ካብ ዝገበሩ መራሕቲ መልእኽቲ እንቋዕ ኣብጽሓና ኣቕሪቦም ኣለው። ንሳቶም ድማ ወ/ሮ ሳባ ኣብርሃም፡ ዶ/ር ብርሃን ኣሕመድ፡ ኣቶ ኬነዲ ወልደማርያምን ኣቶ ልኡል ፍስሃየን እዮም። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ፕረዚደንት ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ ኣብ ትግራይ ዝተተኽለ ኬላታት ደው ንክብል ኣዚዙ። ሰራዊት ኤርትራ ካብ ወረዳታት ጉሎመኸዳን ኢሮብን ወፅዩ ዝብል ጌጋ ምዃኑ ነበርቲ እቲ ኸባቢ ገሊጾም። ኣብዚ ቅንያት ኣብ መንጎ ሰበስልጣን ኢትዮጵያን ኤርትራን ናይ ቃላት ልውውጥ በርትዑ ይርከብ።…
The skinny
The skinny isn't ready yet — notes appear once the transcript is processed.