Latest / SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (22 መስከረም 2025)
ን ሎሚ ሰኑይ 22 መስከረም 2025 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ኣብ ዝሓለፉ 30 ዓመታት ኣውስትራልያ ኣሽሓት ስደተኛታት ኣፍሪቃ ኣብ መሬታ ብምምጻእ ኣጣይሳ። ብዙሓት ግን ኣብ ንኡስ ዕድሚኦምን ምስ ትሑት ብቕዓት ትምህርትን’ዮም ናብ ኣውስትራልያ መጺኦም። እዚ ዝያዳ ኣብ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ክሳተፉ ንምትብባዕ ኣብ ምፍታን ብድሆታት ይፈጥር። ዝብል ሓደ ትሕዝቶ ክህልወና እዩ። ወርሒ መስከረም ኣብ ዝመጻሉ እዋን ነቶም ኣብ 18 መስከረም 2001 ኣዳለውቲን ጋዜጠኛታትን ብሕቲ ጋዜጣታት፡ መንግስቲ ኤርትራ ምስ ኣሰሮም ብዘይፍርዲን ሃለዋቶም ካብ ዝጠፍእን 24 ዓመት ዘቑጸሩ ዝዝከረሉ እዩ ነዚ ዝምልከት ትሕዝቶ ቀሪብና ዘለና፡ ኣርእስታት ሉኡኽና ዝሰደዶ ጸብጻብ ፡ ዋና ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ብምኽንያት ዓለም ለኸ መዓልቲ ሰላም መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ዘመኑ ንሳልሳይ ጊዜ ናይ ወተሃደራት መዓርግ ወሲኹ። ውድብ ወለዶ ትግራይ ዝተብሃለ ውድብ መስራታይ ጉባኤ ከም ዝዛዘመ…
The skinny
The skinny isn't ready yet — notes appear once the transcript is processed.