skinny.

Latest / SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (23 መስከረም 2024)

ንሎሚ ሰኑይ 23 መስከረም 2024 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ጉዕዞ ስደት ብዙሕ ግዜ ዘየተኣማምንን ኣብ ዘይተጸበኻዮን ተርእዮታት ዘጋጥም እዩ ። ሞት እተፍቅሮ ሰብ ወይ ፈታዊኻ ምስዘጋጥም እንታይ ክግበር ከም ዝግባእ ክሕርብተካ ይኽእል ። ኣብ ኣውስትራሊያ ስርዓተ ቀብሪ ብኸመይ ከምዝካየድ ምፍላጥ ኣገዳሲ ስለዝኾነ ብዛዕባዚ ሓደ ትሕዝቶ ከነቕርብ ኢና ። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ኤርትራን ቅድስት ሉቺያ ዲፕሎማስያዊ ዝምድናታት ምምስራት ከም ዝጀመራ ገሊጸን ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ: ካብ መንግስቲ ወጻእ ዝግበር ሓደሽቲ ምደባታት ሓላፍነት መንግስቲ ፈተነ ከይግበር ኣተሓሳሲቡ ዜጋታት ግብፂ ናብ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ንከይገይሹ ኤምባሲ ግብፂ ኣብ ሶማል ኣጠንቂቁ:: ሰሙናዊ መደብ ስፖርትን ካልእ ዝተፈላለዩ ትሕዝቶታት ቀሪብና ኣለና። ኣርእስታት ዜና፥ ኣብ ኢራን ኣብ ሓደ ናይ ከሰል ዕደና ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብውሕዱ 51 ሰባት ክቕተሉ እንከለዉ ፣ ሓያሎ ካልኦት ከኣ ቆሲሎምን ጠፊኦምን ። ሪፐብሊካዊ…

The skinny

The skinny isn't ready yet — notes appear once the transcript is processed.