Latest / SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (06 ጥቅምቲ 2025)
ን ሎሚ ሰኑይ 6 ጥቅምቲ 2025 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ኣቶ በላይ ገብረግዚኣብሄር ኣብ ሆባርት ታዝማኒያ ዝነብር ጥሮተኛ እዩ። ኣብ ሆባርት ቦውል ዝበሃል ጸወታ ስፖርት ምስ ጋንታ Royal Hobart Bowls Club ተሰሊፉ ይጻወት። እዚ ዓይነት ጸወታ ኣብ ኣባላት ማሕበረሰብና ዝውቱር ኣይኮነን፡ ኣቶ በላይ ኣብዚ ናይ ጥሮታ ዕድመኡ ንምንታይ ክጻወቶ መሪጹ፡ ኣብታ ጋንታ ተጸምቢሩ ምጽዋቱ እንታይ ረብሓ እዩ ረኺብሉ፧ ካልኦት ሰባት ክስዕብዎ ዝገብሮ ፈተነን ካልእ ምስቲ ዝገብሮ ንጥፈታት ዝተሓሓዝ ኣዕሊሉና ኣሎ።። ኣርእስታት ሉኡኽና ዝሰደዶ ጸብጻብ ፡ ኮንፈረንስ መቐለ ምስ ኤርትራ ዝተጀመረ ርክብ 'ናብ ዝለዓለ ብራኸ ንክሰጋገር እጃምና ክነወፊ ኢና'ኢሉ። ኣብ ትግራይ ብሆስፒታል ዓይደር፡ ኣብ ኣፍሪቃ ንፈለማ እዋን 'ቦቶክስ' ብምጥቃም ዕውት መብጣሕቲ ተኻይዱ። ክሽቦ ጓልኣንስተይቲ ንምውጋድ፡ ውሁድ ጻዕሪ መሻርኽቲ ክዓዝዝ ጻውዒት ቀሪቡ። ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ብነዳዲ ዝሰርሓ ዓበይቲ መካይን ከይኣትዋ ኣጊዱ። ።ንኹሉ መደባትና…
The skinny
The skinny isn't ready yet — notes appear once the transcript is processed.