Latest / SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

ቐጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (17 ሓምለ 2025)
ንሎሚ ሓሙስ 17 ሓምለ 2025 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ካብቲ ንብዙሓት ፍሉጣት ሰባት እንኮላይ ን36 መራሕቲ ሃገራት ብማዕርግ ዶክትረይት ዝሽልም ኣህጉራዊ ትካል ብማዕርግ ዶክትረይት ተመሪቑ ። ዶ/ር ክፍለዮሃንስ ተ/ብርሃን ኣብ 1978 ናብ ሜዳ ምስ ህዝባዊ ግምባር ክቃለስ ምስተሰለፈ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ዉግኣት ኣርባዕተ ግዜ ቆሲሉ። ካብ 1991 ንደሓር ትምህርቱ ብምቕጻል ብፍላይ ብሞያ ሕጊ ተማሂሩ ክሳብ ዳኛ ኣውራጃ ኣስመራ ብምዃን ኣገልጊሉ። ኣብ 2006 ናብ ስደት ምስ ኣምርሐ፡ ብዘይካ ዝውሰዶም ዝተፈላለዩ ትምህርትታት፡ “ምምልላእ”፡ ምኽእኣል”፡ “ምልምማድ” ከምኡ’ውን “መኣዲ ዕርቅን ሰላምን” ዝብላ ኣርባዕተ ዓበይቲ መጻሕፍቲ ዝጸሓፈ እዩ። ኣብዚ እዋን ኣማኻሪ ስድራቤታትን ሓዳርን ከምኡ’ውን በዚ ሞያ ዘሰልጥን ዘሎ በዓል ሞያ እዩ። ናብዚ ዘብጽሐ ጉዕዞ ኣዕሊሉና ኣሎ፡ ኣብ ናይ ቃለ መሕትት ትሕዝቶና ክቐርብ እዩ። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ኣብ መቐለ ብቀሊል ሓደጋ ነፋሪት…
The skinny
The skinny isn't ready yet — notes appear once the transcript is processed.