Latest / SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (29 ግንቦት 2025)
ንሎሚ ሓሙስ 29 ግንቦት መጋቢት 2025 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ዝርከበሉ ሓዱሽ ኣፍልጦ ዝረኸበ ውዳበ ስምምዕ ፕሪቶርያ ክትገበር ጸዊዑ። ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ካብቲ ሒዞምዎ ዝጸንሑ ከባቢታት ትግራይ ከምዘይወጹ ተሓቢሩ። ኣብ ትግራይ፡ ብዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂሰብ ዝኽሰስ ኮሎነል ተወልደ ገብረተንሳይ ምላሽ ሂቡ። ስነስርዓት ቀብሪ ኤርትራዊ ምኒስተር ወልደሚካኤል ኣብርሃ ተፈጺሙ፡ ኤስ ቢ ኤስ ካብ ዝጅምር መበል 50 ዓመቱ ኣብዘኽብረሉ ዘሎ እዋን፡ ኣብ ፈለማታት ምጅማር ብቛንቋ ትግርኛ ኣብ ኤስ ቢ ኤስ ካብ ዝቐረቡ ሓሓሊፍና ንድሕሪት ተመሊስና ከነቕርቦም ኢና፡ ንሎሚ፡ ኣብ ኣውስትራሊያ ንልዕሊ 28 ዓመት ዝተቐመጠት ወይዘሮ ናዲያ ኣብ ማእከል መልበርን፣ ኣብ ፉትስክረይ ኣብ ዝበሃል ዓቢ ናይ ንግዲ ስቶር ኣለዋ። እዚ ኣብ 1996 ዝጀመረቶ ስራሕ ሰለስተ ሰራሕተኛታትን ኣባላት ስድራኣን ናይ ስራሕ ዕድል ፈጢሩ ዕወት ዝረኸበትሉ ስራሕ…
The skinny
The skinny isn't ready yet — notes appear once the transcript is processed.